ንሕና ጂን ዶሞኒክን መኣዛ ሙሉጌታ ለሄማን ፣ሰዊዳናውያንን ኢትዮጵውያን ቤተሰብ እንትንከውን ኣብ ሰዊዘርላንድ ኣብ
ጥቓ ጀኔቭ መንበሪ ገዛ ዝመስረትና ኢና፡፡መኣዛ ሙሉጌታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ አበባ ተወሊዳ ዝዓበይት እያ፡፡ ባህሊ ሓበሻ
ድማ ካብ ልባ እተፎቱን ባህላ እተክብርን እያ ፡፡ጂን ኣብ ኢትዮጵያ ንዓመታት ይነብር ነይሩ ፡፡ ኣብቲ ዝነበረሉ እዋን ድማ
ምስ ሓረስቶት ኢትዮጵያውያን ስጡም ዝኮነ ርክብ ነይርዎ ፡፡ዕላማ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሃፈታም ዝኮነ ባህሊ
ንምፋላጥ ከምኡ እውን ዝለዓለ ክብሪ ሂብካ ምስራሕ ይከውን ፡፡
ናትና ቀይሕን ጻዕዳን ጣፍ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝሓሹ ዝበሃሉ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ ነቲ ብዓይነቱ ፍሉይ ምካኑ ክፍለጥ ዝከአለ እዩ ፡፡እዞም ናይ ጣፍ እክልታት ብዝለዓለ ጥንቃቐ ብቐጥታ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሓረስቶት ናብ ኣውሮፓ ዝለአክ ኮይኑ ናብቲ ዝተነጸረልኩም ደረጅኡ ዝሓለወ ናይ መጥሓኒ ቦታ ናብ ፈረንሳይ ዝመጽእ ይከውን ፡፡ ኣብዚ ሕድሕድ ከይዲ ድማ ንናይ ኢትዮጵያን ባህልን ናይ አውሮፓ ደረጅኡ ዝሓለወ ናይ ምግቢ መለክዕታት ዝለዓለ ጥንቃቐን ክብርን ሂብካ ዝስራሕ ይከውን ፡፡
© 2025 Aroma Impex Sàrl. All rights reserved.