Frequently asked questions
ናትና ጣፍ ኣብ ደቡብን ማእከላይ ኢትዮጵያ ደጉዓታት ብክእለት ዘለዎም ሓረሰቶት ብባህላውን ብተፈጥራውን መንገዲ
ይምረት ፡፡ብተወሳኪ ድማ ዘበናዊ አሰራሕታት ማለት ነቲ ኩነታት ወይ እቲ ግዘ ዝጠልቦ ምስ ባህላዊ አሰራርሓታት ኣብ
ሕርሻ ተግባራዊ ይከውን ፣በዚ ምክንያት ብዝላቕነት ዝለዓለ ጽረየት ዘለዎ ጣፍ ኣብ ቀርኒ ኣፈሪካ ዝምረት እዩ፡፡ንሕና
ድማ ካብቲ ቦታ እቲ ዝበለጸ ጽርየት ዘለዎ ምህርቲ ጣፋ ጥራሕ ነመጽእ፡፡
መጀመርያ ብንቕሓት ሕሩጭ ጣፍ ካብ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ነዘይምጉዕዓዝ መሪጽና ፣እቲ ናይ ጉዕዞ ርሕቐት ነቲ ናይ ጣፍ
ጽርየት መጠን ምግብነትን ከበላሽዎ ስለዝክእል ፡፡ስለዚ እንታይ መሪጽና እቲ ጣፍ ብጥንቓቐ ዓሽግና ነቲ ርሕቐት ብዝጸወረሉ
መንገዲ ነጋዓዕዞ ፡፡ምህርትና ካብ ኢዲስ አበባ ናብ ጅቡቲ ብመካይንን ብባቡር ነጋዓዕዞ ካብ ጅቡቲ ድማ ናብ ኣውሮፓ ይለኣክ
፡፡ሓንሳእ ኣብ ኣውሮፓ ፈረንሳይ ምስአተዎ ብትእዛዝ ይጠሓን ፡፡ካብዚ ቀጺሉ ድማ እቲ ከይዲ ምስተወደአ ኣብ ውሸጢ
መዓልትታት ብትኩሱ ናብ ዘለክምዎ ነብጽሖ ፡፡ ኣዙይ ዓይነት አሰራርሐ ድማ ናይቲ ጣፍ ትኩስነት ፣ናይ ምግብነት መጥኑን
ዝተረጋገጸ ጣፍ ምካኑን ውሑስ ይገብሮ ማልት እዩ ፡፡
ዝተጥሐነ ምህርቲ ጣፋ ኣብ መካዚኖ ኣይነቕምጥን ኢና ፣ንስኩም እንትእዙዝና ጣፋና ብትኩሱ ኣብ ፈረንሳይ ይጠሓን
፡፡ እቲ ጣፍ ብጥንቃቐ ኣብ ናይ ባህላዊ ናይ እምኒ መጥሓን ይጠሓን ፣ ማለት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንከፍለ ዘመናት
ዝጠቐመሉ ናይ መጥሓን መንገዲ ተከቲልና ንጥሕኖ ውጽኢቱ ድማ ሙሉእ ናይ ምግቢነት ሕሩጭ ኮይኑ ኩሎም ዓይነታት
ናይ ምግቢ ትሕዝቶ ከምዘለዉ ዝሐዘ ይከውን ፡፡ ስለዚ ኣዝዩ ጥዑምን ዝተረጋገጸሉ ወይ ዝከተመስከረሉ እንጀራ ይከውን
ማለት እዩ ፡፡
ናትና ጣፍ ቅድሚ ናብ ወጻኢ ምልኣኩ ጣፍና ብጥንቃቐ ተጻርዩ ተመረሚሩ ዝተዓሸገ ይከውን ፡፡ሕድሕድ ናይ እነጋዓዕዞ
ጣፍና ትክክለኛ ምካኑ ናይ ኣትክልትን ክንክንን መረጋገጸጺ ሰርተፊኬት ሓቢሩ ይመጽእ ፡፡ ካብዚ ብተወሳኪ ካብ
ከይዲ ካብ ምዕሻግ ጀሚሩ ክሳብ ምጥሓን ዘሎ ከይድታት ንጽረየቱ ዝለዓለ ጥንቃቐ ንገብር ፡፡ ኩሉ ዓይነት ማለት ኣብ
ናይ ወረቐት ከረጢት ይክዘን እዚ ድማ ነቲ ጣፍ ይኩን ነቲ ከባቢ እውን ተስማዕማዒ ይገብሮ እዚ ካብ ፕላስቲክ ዝሓሸ
ዝገብሮ ማለት እዩ ፡፡ዝለዓለ ጸርየት ዘለዎ ጣፍ ንምርካብ ክንብል ጣፍና ኣፍልጦ ብዘለዎም ዘይወገንተኛ ቤት ፈተነታት
ዝተፈተሸን ዝተረጋገጸሉን ኮይኑ እዚ ኣብ ኣውሮፓ ሕቶ ንዝለዓለሎም ናይ ምግቢ መምርሕታት ዘክበረ ከምዝኮነ
ዝተረጋገጸ እዩ ፡፡
ብዛዕባ ምህርትና እትደልይዎ ኩሉ ዓይነት ዝርዝርን ናይ ምህርትና ውህደትን ኣብ ልዕሊ እቲ መዓሸጊ ኣብ ናይ ምረትና ድህረ
ገጽ ብግልጺ ሰፊሩ ኣሎ ፡፡እዚ ሓበሬታ ድማ በቲ ዘለማ ናይቲ ዓዲ ቓንቓ ተተረጊሙ ይቐርብ ፡፡
ጣፍና ዝተረጋገጸሉ ኦርጋኒክ ኣይኮነን ፣ኮይኑ ግን ብባህላዊ መንገዲ ዝፈረየ እዩ፡፡መብዛሕትኡ ጣፍና ዝመጽእ ካብ ቀርኒ
ኣፋሪካ ካብ ንእሸተይ መሬት ዘለዎም ሓረሰቶት ዝመጽእ እዩ ፣እዞም ሓረስቶት ብባህላዊ መንግዲ ማለት ኬሚካልን
ዘበናዊ ድኪዕን ከይተጠቐሙ ዝፍርይዎ እዩ፡፡ እዚ ንምርግጋጽ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ሕድሕድ ጉዕዞ ኣብ ለባራቶሪ
ክምርመርን ክፍተሸን ብምግባር ጣፍና ካብ ዝኮነ ጎዳኢ ነገር ነጻ ምካኑ ነረጋግጽ ፡፡
ንሕና ኩሉ ግዘ ብዝተከአለና መጠን ብፍጥነት ንብጻሕ ድልዋት ኢና ፡፡ ናይ ምብጻሕ ኩነታት ኣብ መጠን ምጥሓንን ኣብ
ምጉዓዓዝን ዘሎ ርሕቐትን ዝውስኖ ይከውን ፡፡ ኮይኑ ግን ብዝተከአለና መጠን ብዝለዓለ ፍጥነት ኣብ ውሽጢ 5 ክሳብ 7
መዓልትታት ከከም ዘለክምዎ ርሕቐት ንብጽሕ ፡፡ ብትእዛዝ ንምጥሓን እትደልዩ ድማ ካብ 2 ክሳብ 3 መዓልትታት
ይወስድ ፣ምጉዕዓዝ ካብ 24 ክሳብ 72 ሰዓታት ክወስድ ይክእል ማለት እታ ዘለክምዋ ሃገር ዘለዋ ርሕቐት ዝውስኖ
ይከውን ማለት እዩ፡፡ ንእስ ዝበሉ ትእዛዛት ክሳብ 2 ቶን ኣብ ጥቓ ፈረንሳይ ናብ ዘለዋ ሃገራት ካብ 3 ክሳብ 4 መዓልትታ
ከምዝበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ ፡፡ዓበይቲ ትእዛዝት ከከም ርሕቐቱ ካብ 7 ክሳብ 10 መዓልትታት ይበጽሕ ፡፡
ዋጋ ዕዳጋና ኣብ ብዝሒ ትእዛዝ ዝተመርኮሰ እዩ። ምሳና ኩሉ ግዜ ብዝሓሸ ዋጋ ትረክቡ! ቅድሚ ትእዛዝ
ምእዛዝኩም ንዝኾነ ዋጋ ንምፍላጥ ርኸቡና፡ info@aromaimpex.com
ንሕና ከምቶም ካልኦት ካብ ኣፍሪካ ጣፍ እንትልእኩ አቐዲሞም ጥሒኖም ንአዋርሕ ቅድሚ ምሻጡ
ዝክዝንዎ/ዘቐመጥዎ ኣይኮንናን ኢና ፣ንሕና እንትትእዙዙና ጥራሕ ትኩስ ጣፍ ንጥሕን ፡፡እዚ ማለት ድማ ጣፍና
ኩሉሻዕ ትኩስን ልዑል ናይ ምግብነት ትሕዝቶን ይህልዎ ፣ነዊሕ ግዘ ብምዕሻግ/ብምቕማጥ ካብ ዝበጽሕ ሓደጋ ነጻ እዩ
፡፡ካልኦት ፍሉጣት ዝበሃሉ ኣብ ፕላስቲክ ኣብ ኮንተይነር እንትዕሸግዎ ዝህልዎ ናይ መግብነት ትሕዝቶ ዘተኣማምን
ዘይክከውን ይክእል እዩ፡፡ ናይ ወረቐት ከረጢት ተጠቒመና ብምዕሻግና ናይቲ ሕሩጭ ጣፍ ጽርየት ከምኡ እውን ናይ
ፕላኔትና ጥዕና ንምሕላው ይሕገዝ ፡፡ ናትና ባህላዊ ናይ እምኒ መጥሓን ስለእንጥቀም ንጹህን ልምሉም ዝተረጋጸሉን
እንጀራ ጣፍ ክንስንክትን ይገብር፡፡ ጽርየት ቀዳማይ ትኩረትና እዩ ፡፡
ብዛዕባ ከባቢያዊ ድማ ብዝለዓለ ኩነታት ጥንቃቐ ንገብር ፡፡ ኣብ ፈረንሳይ ዝርከብ ፋብሪካና ዳግም ብዝሕደሱ ናይ
ሃይደሮ ኤልክተሪክን ብሓይሊ ጻሐይ /ሶላርን ዝሰርሕ እዩ ፡፡
ብተወሳኪ ድማ ንኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ናይ ተፈጥሮ ማይ ንክዕቅቡን ንስነ ከባቢ ጥንቃቐ ክገበሩን ንላቦ ፡፡
ንሶም በዓል ግሮሶሪ ድዮም ፣ናይ ምግቢ ቤት በዓል ዋና ዲድዮም ፣ ካብ ካብ ካፌ ወይ እንዳ ባኒ ድዮም?
ከምኡ እንተኮይኖም ንሙኮራ ዝከውን ምህረትና ክንሰደልኩም ደስተኛታት ኢና፡፡
ሕድሕድ ናይ አሮማ ጣፍ ምስ ዝርዝር ናይ ዋጋ ደረሰኝ እዩ ዝመጸእ፡፡